"ንህዝቢ ነቢሩ ብህዝቡ ዝተረሰዐ. . ."

Описание к видео "ንህዝቢ ነቢሩ ብህዝቡ ዝተረሰዐ. . ."

ትማሊ ወራር ኣንበጣ እንተጋጥም ንፈለማ ግዘ ፊሽኩኡ ሒዙ በብከባቢኡ በፂሑ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፀገም ኣጋጢሙ እንትበሃል ቅድሚ ኹሉ ከይዱ ብምትሕብባር ይፍለጥ ዝነበረ፤ ወራር ምስ ኣጋጠመ 'ውን እንኮ ህይወቱ ንዓደይን ህዝበይን ከበርክት ኢሉ ተጋዲሉ ከቢድ መጉዳእቲ ኣካል ከፊሉ።
ብፍላይ ድማ ግጥም ኩዕሶ እግሪ እንትህሉ ሰውነቱ ብሕብረቀለማት ኣወቂቡ ብፍፁም ስምዒት የለዓዕል። ንሱ ዘይብሉ ግጥም፣ ንሱ ዘየንጉሖ ደርፊ ኣይነበረን- ደጋፍን መለዓዓልን ጋንታ ኩዕሶ እግሪ መንእሰይ ኣስፋው ንጉስ።
እዚ ግርማ ስታድዮም ትግራይ ዝነበረ ንህዝቡን ዓዱን ክብል ዘይወፆ ዓቐብ የለን ዝበሃለሉ መንእሰይ ኣርባዕተ ግዜ ከበድቲ መውጋእቲ ኣጋጢሞሞ ተኾርሚዩ ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቑ ይርከብ። ይኹን ምበር ምስ መዓት ፀገሙ ሎሚ ውን ፍሽኽ ኢሉ የውግዕ። ምስ ፕሎት ሚድያ ዘደምም፣ ዘስሕቕ፣ ዘሐዝንን ዘይተሰምዐን ታሪኹ ኣዕሊሉ ስለዘሎ ክትከታተሉ ብኽብሪ ንዕድም።

Комментарии

Информация по комментариям в разработке