ቅድስቲ ድንግል ማርያም ፖፕ ሽኖዳ 3ይ sermon in tigrinya st Mary pope shinouda 3rd

Описание к видео ቅድስቲ ድንግል ማርያም ፖፕ ሽኖዳ 3ይ sermon in tigrinya st Mary pope shinouda 3rd

ኣቃኒም (ኣካላት) (ኣቓኒም ናይ ሓባር (ኣካላት ሥላሴ) መጸውዒ ኮይኑ ንሓደ ከኣ ኡቕኑም ይበሃል። ኡቕኑም ብቋንቋ እንግሊዝ Hypostasis ክኸውን ከሎ ብቋንቋ ጽርኢ ድማ ύπόστασiς ይበሃል። ύπό ማለት ታሕቲ፡ στασiς ማለት ድማ ዝቆመ፡ ስለዚ Hypostasis ማለት ኣብ ታሕቲ ዝቆመ ማለት እዩ። ስነ-መለኮታዊ ትርጉሙ ድማ ቆይምሉ ዘሎ ባሕርይ ማለት እዩ። ኡቕኑም ሓቀኛ ህላዌ ዘለዎ ኮይኑ ናይ ገዛእ ርእሱ መንነት ኣለዎ….. ግናኸ ምስቶም ክልተ ኡቕኑም (ኣቦን፡ መንፈስ ቅዱስን) ኣብ መለኮታዊ ባሕርይ፡ መንነት፡ ፍቃድ ከይተፈልየ ሓደ እዩ። እቶም ሰለስተ ኣቓኒም ዝበሃሉ ዘለዉ፡ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እዮም። ኣቦ ብመንጽር ባሕርይ፡ ኣምላኽ እዩ፡ ብመንጽር ኡቕኑም ድማ ምንጪ እዩ። ወልድ ብመንጽር ባሕርይ፡ ኣምላኽ እዩ፡ ብመንጽር ኡቕኑም ድማ ተወላዲ እዩ። መንፈስ ቅድስ ብመንጽር ባሕርይ ኣምላኽ እዩ፡ ብመንጽር ኡቕኑም ድማ ሰራጺ እዩ።)

(St-Takla.org ኣብ ዝብል ናይ ቕብጢ ዌብሳይት اسئلة اللاهوت و الامان و العقيدة " ما معنى كلمة أقنوم؟ " ካብ ዝብል ዓንቀጽ ዝተወስደ እዩ)።

እቶም ነዚ ስብከት ብቋንቋ ዓረብ ክትሰምዕዎ እትደልዩ ሰባት ኣብዚ ዝስዕብ መላግቦ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።
   • عن العذراء مريم † عظه للبابا شنوده ال...  

Комментарии

Информация по комментариям в разработке