Kiros Asfaha - Amche (OFFICIAL AUDIO) Eritrean music 2020

Описание к видео Kiros Asfaha - Amche (OFFICIAL AUDIO) Eritrean music 2020

Fb Official Page : https://cutt.ly/TtD46Q2

OFFICIAL Albums :
Meat Were : https://cutt.ly/Hd7a5vr
Aleku : https://cutt.ly/4d7aVWb
Nabra : https://cutt.ly/5d7aHVS
Menbar Aydgemnyu : https://cutt.ly/Yd7aI0m



An unauthorised use, distribution, re-upload or transmitted in any form or use without the prior written permission of the publisher is strictly prohibited.

All rights reserved ® HABESHA PLUS
   / habeshaplus  


#kirosasfaha #kirosasfahameatwere #eritreanmusic #neweritreanmusic


Lyrics


ይዝከረኒ ነዊሕ እዋን ጌሩ
ምስ ጎረቤት ኲናት ተፈጢሩ

ተኣዊጁ ክተቴ ክተቴ
ቡሬ ኔረ ድፍዐይ ክዕጾ

ካብ ኢትዮፕያ ህዝቢ ተሰኊጉ
ገዝኡ ዓጽዩ ንብረቱ ሓዲጉ

እና’ማረረ እና ጠዓሞ ዕረ
ብድፋዕና ይኣቱ ነበረ

ሓደ እዋን ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ
ጽብቕቲ ኋል ኣብ መንጎ’ቲ ህዝቢ

ኣድኪምዋ ናይ ቡሬ ጽርግያ
ከተሳሊ ካብ ርሑቕ ርኤያ
ከተሳሊ ካብ ርሑቕ ርኤያ

ተኋይየ ጾራ ተቐቢለ
ከጸናንዓ ከዕልላ ጀሚረ

ጸያፍ ልሳን ትግርኛ ዘይመልኽ
ከምሕረላ ክምስጥ ክማርኽ
ከምሕረላ ክምስጥ ክማርኽ

ቻዉ በል ደሃን ኩን
ጌታ ምሳካ ይኩን
ክንራከብ ኢና

ከምቲ ልሙድ ብ ኣምቸ ሰይመ
ሕቁፍ ኣቢለ ግምባራ ስዒመ
ሕንቁቕ ገጻ ኣብ ደረተይ ጌረ

ኣጆኺ ጽብቕቲ ክንዕወት ኢና’ለ

ኣምቸ ኣምቸ ኣምቸ ኣፋኔያ
ኣ...ሃ... ኣ... ሃ...
ተመኔ ግን ደጊመ ክርእያ

ኣምቸ ኣምቸ ኣምቸ ኣፋኔያ
ኣ...ሃ... ኣ... ሃ...
ተመኔ ግን ደጊመ ክርእያ

ተመኪቱ ወራራት ሓሊፉ
ኣይ ተሩፍኩን ምስቶም ዝተረፉ

ተሰናቢተ ከም ሰብ ተጣይሰ
ድሕሪ ነዊሕ ገዛይ ተመሊሰ

ወዝ ቀይራ ማይ ሃገራ ሰትያ
ተላሚዳ ምስ ህዝባ ተላልያ

እታ ጽብቕቲ ካናሪ ደሃያ
ከም ትምኒተይ ደጊመ ሪአያ

ፍቕሪ ሰትያ ፍቕሪ ተመጊባ
ዝዓበየት ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ውጹእ መልክዕ ዝስተ ሕጻባ
ኣጻሊተ ከፍቅረኒ ልባ
ኣጻሊተ ከፍቅረኒ ልባ

ከናፍራ ጠሊ ዝወረሶ
ፍረ ኣፍ ልባ ኪኢላ ዝኾስኮሶ

ሓላል ጠባይ ብስለት ዝዓገሶ
ኩለንትናኣ ፍቕሪ ዝሕፈሶ
ኩለንትናኣ ፍቕሪ ዝሕፈሶ

ግዜ ኸይዱ ሌላና ገፊሑ
ወግሐ ጸብሐ ምርኻብ በዚሑ

ቅርርብና ምኢዙ መቂሩ
ሕዉነትና ፍቕሪ ተቐይሩ

ኣምቸ ኣምቸ ኣምቸ ወኒነያ
የቐንየለይ ናይ ቡሬ ጽርግያ

ኣምቸ ኣምቸ ኣምቸ ወኒነያ
የቐንየለይ ናይ ቡሬ ጽርግያ

የቐንየለይ ናይ ቡሬ ጽርግያ
የቐንየለይ ናይ ቡሬ ጽርግያ
የቐንየለይ ናይ ቡሬ ጽርግያ...

Комментарии

Информация по комментариям в разработке