"ፎቶ ተላዒልና ድሕሪ ሓሙሽተ ደቒቓ ተሰዊኦም!"

Описание к видео "ፎቶ ተላዒልና ድሕሪ ሓሙሽተ ደቒቓ ተሰዊኦም!"

ገዝኡ ብምስልታት ስውኣትን ህልዋንን ብፆቱ ናብ ቤተ-መዘክር ቀይርዋ እዩ። ንባዕሉ ክልተ ግዜ መውጋእቲ ኣጋጢምዎ ካብ ብሱላት ጥረ ኾይኑ ዝተረፈ እዩ። እንትድቅስ ምስሊ ብፆቱ እናረኣየ ይድቅስ፣ ለይቲ ዘሕለፍዎ ታሪኽ ደጊሙ እናስተንተነ ይሓድር፤ ምስ ወገሐ ድማ ናብ ስድራ ስውኣት ብፆቱ ዝሓዘ ሒዙ ይወፍር። ንብፆቱ ካብ ዘለዎ ዓሚዩቕ ስምዒት ዝተልዓለ ንገሊኦም ምስሎም ኣብ ገዝኡ ከዚንዎም ይርከብ። ንገሊኦም ማዕተቡ ገይሩ ኣብ ክሳዱ ኣንጠልጢልዎም። ንገሊኦም ግጥሚ ፅሒፍሎም። ገሊኦም ቃሎም ኣብ ሰብነቱ ተወቂጥዎ ይርከብ። እዚ ታሪኸኛ መንእሰይ ተጋዳላይ ልኡል ገብረእግዚአብሔር (ራእሲ ልኡል) ይበሃል። ዘደምም ስራሕቱን ታሪኽ ብፆቱን ከዘንትወልና እዩ ንከታተሎ።

Комментарии

Информация по комментариям в разработке