Eritrean Music Tsehaytu BeraKi| ኣብ ዕለተ መስዋእታ ዝተገጥመ ግጥምን።

Описание к видео Eritrean Music Tsehaytu BeraKi| ኣብ ዕለተ መስዋእታ ዝተገጥመ ግጥምን።

"ጸሓይ ዓደይ" በጋጣሚ ዕረፍቲ ጸሃይቱ በራኺ ዝተሰርሐት ግጥሚ።

******** *ጸሓይ ዓደይ *******
እታ ጎይታ ጥበብ ኣደ ሚልዮናት
ያሬዳዊት ብራና ዜማታት
እታ ሓውልቲ ትግርኛ፡ ቅርሲ ውሎዶታት
መሶብ ፍቕሪ፡ መኽዘን ናይ ቅኒታት።
እታ ሓርበኛ ተጋዳሊት
ጨማቲት ቶካሲት
ሓሳቢት ደራሲት
ነብይ ንርሑቕ ኣማቲት
ኮኾብ ሰሜን ኣንፈትና ሓባሪት
ንፍቕሪ መራሒት።
እታ ፍላስፋ ምኽዘን ናይ ጥበባት
ሃንዳሲት ቅኒት ጎይታ ናይ ዜማታት
መዝገብ ታሪኽ ቅያ ወሎዶታት
መሕደር ሽሕ፡ ሕርየተ ሕሩያት።
እታ ብፍቕሪ ዓዳ ዝነደደት
ብባህላ ዝተጸለለት
ብጥበባታ ተስፋ ዝለገሰት
ከንይንባትኽ ሓቦ ዘስነቐት።
ንሳ.....
ኣርማና'ያ ቀንዴል ዓድና
ንያትና'ያ ሓበን ኩርዓትና
ጭማራ'ያ ዋልታ ባህልና
ንሳስ እንቋዕ ኮነት ናትና።
እዛ ቅርሲ
እዛ ሓወልቲ
እዛ ርስቲ እዛ ሃብቲ
ሰፈራ ኣብቲ ውሽጠ ውሽጢ
መዓሙቕ ናይ ልቢ
ፍቕሪ እናቐለበት መንፈሰ እተዕቢ
ጥበብ እትናቢ።
ንሳ'ወ እዛ ጸሓይ ዓደይ
በቲ መልእኽ ድምጻ
ብጥበብ ቆርጺጻ
ልዕሊ ማንም በሊጻ
ሓሊፋ ሂወተይ ሃኒጻ
ኣንታ...
ተናፋቒት እንድያ ተበሃጊት
ተፈታዊት እንድያ ተፈቃሪት
ኣቦይ እዝጊ'ኳ ቢሂግዋ
ብፍትወታ ዓቢዱ ኣፍቂርዋ
ከተጻውቶ ብክራራ ጌርራ
ግጥምታት መሪጻ ድምጻ ኣመቂራ
ዝይም ክትውዕለሉ ምስ ሰማእት ሓቢራ
እዛ ምልእተ ፍቕሪ ኩሉ እንድዩ ዘፍቅራ።
እዛ ጸሓይ ዓደይ
ብርሃና ሰዲዳ ሙቖታ ለጊሳ
ኣብ ልቢ ኩሉ ነጊሳ
ዘልኣለም ደቂሳ።
እታ...
ስልካ ብቕኒታ ድምጻ ብምቅርታ
ሎሚ ዶ ከይደሀ ውቅዒት ህርመታ
ግን...
ግቡኣ ጌራ እጃማ
ፍጽሚ ጌራትሉ ዕማማ
ከይዳ ከም ዓለማ።
-------------- * * * -------------
ፍረዝጊ ተስፎም
26-05-2018

መብዛሕቲና ደቂ ሰባት ብዋሕዲ ምትብባዕ ኢና ንነገራት ክንገብሮም እንዳ ከኣልና ዘይንገብሮም። መሶብና ድማ ነዚ ምርኩስ ብምግባር ብንኡስ ዓቕማ፡ ኣብ ምሕበራዊ ሂወትና ኣብ ምጽባቕን ምርግጋእን ዝሕግዙና ሓሳባት ኣብ ምብርካት ተረኣ ትጻወት። እዚ መደብ እዛኢ ካባኹም ናባኹም እዩ።
ንዕቤት'ዛ መደብ እትህብዎ ሃናጺ ርእይቶን ተሳትፎን ኣቐዲመ የመስግን።

ንተወሳኺ ትሕስቶ Subscribe ብምጥዋቕ ናይ ወትሩ ዓማዊል ናይዚ መደብ ንኽትከውን ብኽብሪ ይዕድመኩም።
   / @mesobna  

Facebook:  / mesobna.de  

E-mail: [email protected]

ነዚ ቪድዮ ካብ You Tube ኣውሪድካ ኣብ ዝተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ኣይፍቀድን።
© Copyright: Mesobna Any unauthorized use, copying or distribution is strictly prohibited.

New Eritrean Motivational video 2018. New Tigrina motivatinal video 2018.

Комментарии

Информация по комментариям в разработке