Kiros Asfaha - Abey Nerki (OFFICIAL AUDIO) Eritrean music 2020

Описание к видео Kiros Asfaha - Abey Nerki (OFFICIAL AUDIO) Eritrean music 2020

Fb Official Page : https://cutt.ly/TtD46Q2

OFFICIAL Albums :
Meat Were : https://cutt.ly/Hd7a5vr
Aleku : https://cutt.ly/4d7aVWb
Nabra : https://cutt.ly/5d7aHVS
Menbar Aydgemnyu : https://cutt.ly/Yd7aI0m



An unauthorised use, distribution, re-upload or transmitted in any form or use without the prior written permission of the publisher is strictly prohibited.

All rights reserved ® HABESHA PLUS
   / habeshaplus  


#kirosasfaha #kirosasfahameatwere #eritreanmusic #neweritreanmusic


Lyrics

ሓሲበ መርሚረ ኣውሪደ ኣደይበ
ተመሊሰ’ለኹ ንዓኻ ኢደይ ሂበ

ኣመና’የ ተታላሊት ድኽምቲ ኮይነ’ምበር
ንስኻ ትመስል ፍቕርኻ’ዶ ስገር

ኣጣዒስኒ’ዩ ሕሉፈይ ደምስሶ
ሕማቕ’ሎ ልበይ ፍቕርኻ ደብሶ

ይጽውዕ ኣለኹ ልመናይ ተቐበል
ገጽካ ምለሰለይ ከይሓምም ከይጽለል

በጃኻ በጃኻ በጃኻ በጃኻ...

ብሚሕር ፍቕሪ ናትኪ ንብዓተይ እናረገፈ
ብሓለንጊ ፍቕርኺ ዝባነይ እናተገርፈ

ኣብ እግርኺ ክወድቕ ሽሞል ብርከይ ዓጺፈ
ኣበይ ኔርኪ ኣበይ

ምስ ዝኾነ ከንጸርጽር ፍቕርኺ ከቢዱኒ
ንበይነይ እንክዛረብ ዘለኺ መሲሉኒ

ራኣይዎ እናበሉ ሸራፋት ክስሕቑኒ
ኣበይ ኔርኪ ኣበይ

ኣቲ ናይ ትማሊ ተመን ናይ ሎሚ ግን ርግቢት
ኣቤሎ’ቲ ጸዋግ ገጽ ኣበይ ከይዱ’ቲ ትዕቢት

ትማሊ ጸዊዐኪ የእዳውኪ ነጺግክለይ
ሕጂ ክምስ ትብልኒ ናበይ ደሊኺ ናበይ

ኣይትንብዒ ኣይትስገዲ
ሕቖኺ ሂብክኒ ጥራይ ኪዲ

ለሚነኪ’የ ትማሊ ነቢዐን ተማህሊለን
ሎሚ ግን
ንዓኪ ዝኸውን ቦታ የለን

በጃኻ     

ብሚሒር ፍቕሪ ናትኪ ንብዓተይ እናረገፈ
ብሓለንጊ ፍቕርኺ ዝባነይ እናተገርፈ

ኣብ እግርኺ ክወድቕ ሽሞል ብርከይ ዓጺፈ

ኣበይ ኔርኪ ኣበይ ኣበይ ኣበይ

ሓሲበ መርሚረ ኣውሪደ ኣደይበ
ተመሊሰ’ለኹ ንዓኻ ኢደይ ሂበ

ኣመና’የ ተታላሊት ድኽምቲ ኮይነ’ምበር
ንስኻ ትመስል ፍቕርኻ’ዶ ስገር

ኣጣዒስኒ’ዩ ሕሉፈይ ደምስሶ
ሕማቕ’ሎ ልበይ ፍቕርኻ ደብሶ

ይጽውዕ ኣለኹ ልመናይ ተቐበል
ገጽካ ምለሰለይ ከይሓምም ከይጽለል

በጃኻ በጃኻ በጃኻ በጃኻ

ነዛ ንኽሪኤኪ ገዛኹም ክኳለሎ
ንምጽኣትኪ ከቋምት ኣብ ፈቐዶ ኣንጎሎ
ጸሓይ ጠሊማትኒ ክጽልምተኒ ከሎ

ኣበይ ኔርኪ ኣበይ

ከም ስኡን ደድሕሬኺ ክልምን ጽባሕ ጽባሕ
ከም ታቦት ኣምሊኸኪ ኣብ ቅድሜኺ ክናሳሕ
እምቢታኺ የሕሪቑኒ ምስ መስተ ክመራሳሕ

ኣበይ ኔርኪ ኣበይ

ሰሚዐኪ ይቐንየለይ ፍቕርኺ ኣክብለይ
ደጊሙ ከፍቅረኪ ኣይኮነሉን’ዩ ልበይ

ሒዘ’የ ትመስለኒ ኣመና ሽኮር ቆልዓ
ሰላም ሂባትኒ’ላ ንቦታኺ ተኪኣ

ኣይትንብዒ ኣይትስገዲ
ሕቖኺ ሂብክኒ ጥራይ ኪዲ

ለሚነኪ’የ ትማሊ ነቢዐን ተማህሊለን
ሎሚ ግን
ንዓኪ ዝኸውን ቦታ የለን

በጃኻ

ከም ስኡን ደድሕሬኺ ክልምን ጽባሕ ጽባሕ
ከም ታቦት ኣምሊኸኪ ኣብ ቅድሜኺ ክናሳሕ
እምቢታኺ የሕሪቑኒ ምስ መስተ ክማራሳሕ

ኣበይ ኔርኪ ኣበይ ኣበይ ኣበይ

Комментарии

Информация по комментариям в разработке